Dataset Viewer
Auto-converted to Parquet Duplicate
audio
audioduration (s)
1.81
30.2
no_extra_space_text
stringlengths
5
253
IPA_transcription
stringclasses
1 value
ንብንያም ሓው ዮሴፍ ግና ገለ ድንገት ከይረኽቦ ኢሉ ያእቆብ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን
እቶም ዓሰርተ እሕዋት ዮሴፍ ከኣ እኽሊ ክሽምቱ ናብ ግብጺ ወረዱ
ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ነበረ እሞ ደቂ እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝመጹ ዀይኖም እኽሊ ክሽምቱ መጹ
ነታ ሃገር ዝእዝዛ ድማ ዮሴፍ ነበረ ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገር እኽሊ ዝሽምት ከኣ ንሱ ነበረ
ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መጹ ኣብ ቅድሚኡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ
ዮሴፍ ከኣ ኣሕዋቱ ርእዩ ኣለለዮም ንርእሱ ግና ጓና ኣምሰለሎም ኣበርቲዑ ድማ ተዛረቦም ካበይ ዝመጻእኩም ኢኹም ድማ በሎም
ካብ ምድሪ ኸነኣን እኽሊ ኽንሽምት በሉ
ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ኣለለዮም ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን
ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ዘ
ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕብኦም ሓሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ ንስኻትኩም እዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ሰለይቲ ኢኹም ከኣ በሎም
ንሳቶም መለሱሉ ኣይፋልናን ጐይታይ ገላውኻስ ቀለብ ክሽምቱ ደኣ መጹ ድማ በልዎ
ንሕና ዅልና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና ንሕና ቕኑዓት ኢና ገላዉኻ ሰለይቲ ኣይኰኑን
ንሱ ድማ ኣይፋልኩምን እዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም በሎም
ንሳቶም ከኣ ንሕና ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና
እንሆ ድማ እቲ ንእሽቶ ሎሚ ምስ ኣቦና አሎ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን በሉ
ዮሴፍ ድማ በሎም እቲ ሰለይቲ ኢኹም ኢለ ዝበልኩኹም ንሱ እዩ
በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ ካብዚ ኸይትወጹ ህይወት ፈርኦን እዩ
ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ዘምጽእ ስደዱ ንስኻትኩም ድማ ሓቂ እንተሎኩም ዘረባኹም ክፍተን ክትእሰሩ ኢኹም
እንተዘይኰነስ ብህይወት ፈርኦን ሰለይቲ ኢኹም
ብሓደ ገይሩ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሐለዎም
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ በሎም ኣነ ኣምላኽ እፈርሕ እየ እሞ እዚ ግበሩ ትነብሩ ድማ
ቅኑዓት እንተዄንኩምሲ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ይተኣሰር
ንስኻትኩም ድማ ኬድኩም እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም እኸውን እኽሊ ኣብጽሑ
እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ እቲ ቓልኩም ከኣ ሓቂ ምዃኑ ይእመን ኣይትሞቱን ድማ
ከምኡውን ገበሩ
ንሓድሕዶም ከኣ ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና እቲ ምሕረት ክልምነና ኸሎ ጸበባ ነፍሱ እናርኤና ኣይሰማዕናዮን ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና ተባሃሀሉ
ሮቤል ከኣ ኣብዚ ቘልዓ ኣይትበድሉ ኢለዶ ኣይበልኩኹምን ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን
ስለዚ ድማ እንሆ ደሙ ይድለ አሎ ኢሉ መለሰሎም
ኣስተርጓሚ ኣብ መንጎኦም ነበረ እሞ ንሳቶም ዮሴፍ ከም ዝሰምዖም ኣይፈለጡን ነበሩ
ካባታቶም ኣግሊሱ ኸኣ በኸየ ናባታቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም ንስምኦን ከኣ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም አሰሮ
ዮሴፍ ድማ ነቲ ዓያብቶም እኽሊ ኽመልኣሎም እቲ ገንዘቦም ከኣ ኣብ ዐዓይበቶም ክመልሱሎም ንመገዲውን ስንቂ ክህብዎም አዘዘ
ከምኡ ኸኣ ገበሩሎም
እቲ እኽሊ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም ከኣ ካብኡ ኸዱ
ኣብ መሕደሪ ድማ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ክህብ ዓይበቱ ኸፈተ እንሆ እቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ዓይበቱ ረኣየ
ነሕዋቱ ኸኣ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ እንሆ ኣብ ዓይበተይ በሎም
ልቦም መሊቝዎም ራዕራዕ እናበሉ ንሓድሕዶም እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ ተባሃሀሉ
ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ ዝበጽሖም ኵሉ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ እቲ ሰብኣይ ጐይታ እታ ሃገር ኣበርቲዑ ተዛረበና ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ከኣ ገበረና
ንሕና ሰለይቲ ኣይኰንናን ቅኑዓት ሰብ ኢና ንሕና ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣቦና ኢና እቲ ሓደ የሎን እቲ ንእሽቶ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣሎ በልናዮ
እቲ ሰብኣይ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ዄንኩም በዚ ኽፈልጥ እየ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዝኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ
ነቲ ንእሽቶ ሓውኩም ከኣ ናባይ ኣምጽእዎ
ሽዑ ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር ሰለይቲ ኸም ዘይኰንኩም እፈልጥ ሓውኩም ድማ ክህበኩም እየ ኣብዛ ሃገርውን ትነግዱ በለና
ንሳቶምን ኣቦኦምን ነቲ ጥቕሉል ገንዘቦም ምስ ረኣዩ ሰምበዱ
ኰነ ኸኣ ዓያብቶም ምስ ኣዕረቑ እንሆ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ጥቕላል ገንዘቡ ኣብ ዐይበቱ ነበረ
ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ውሉድ ዜልቦ ገበርኩምኒ
ዮሴፍ የሎን ስምኦን ከኣ የሎን ንብንያምዶ ድማ ኽትወስድዎ ኢኹም እዚ ዅሉ ኣባይ ኰይኑ አሎ በሎም
ሮቤል ከኣ ነቦኡ ኣብ ኢደይ ሕድሪ ሃበኒ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል ኢሉ ተዛረቦ
ንሱ ኸኣ ሓዉ ሞይቱ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይወርድን
ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ጕድኣት እንተ ረኸቦ ሽዑ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ ሽኦል ተውርድዎ በለ
ምዕራፍ ኣርብዓን ሰለስተን
እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ሃገር በርትዐ
ኰነ ድማ እቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ ኣቦኦም ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና በሎም
ይሁዳ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ኣሕሚሙ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም በለና
ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና
ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና እቲ ሰብኣይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም ኢሉና እዩ እሞ ኣይንወርድን ኢና በሎ
እስራኤል ከኣ ስለምንታይ ነቲ ሰብኣይ ገና ሓደ ሓው ኣሎና ኢልኩም ብምንጋርኩም ኣኽፋእኩምለይ በለ
ንሳቶም ድማ እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን ኣቦኹም ገናዶ ብህይወቱ አሎ ካልእ ሓውከ አሎኩምዶ ኢሉ ኣጸቢቑ ሓተተና
ንሕና ኸኣ ከምቲ ዘረባኡ ነገርናዮ
ንሓውኩም ኣውርድዎ ኸምዝብለናዶ ፈሊጥና ኔርና በሉ
ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል ንሕናን ንስኻን ሕጻናትናን ክንነብር እምበር ከይንመውት ተንሲእና ኽንከይድሲ ነዚ መንእሰይ ምሳይ ስደዶ
ኣነ እውሓሶ ካብ ኢደይ ድለዮ
ናባኻ ኣምጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየበልክዎ ብዅሉ ዘበን ንኣኻ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩ እኹን
ክሳዕ ሕጂ እንተዘይንድንጕስ ኤረ ኻልኣይ እዋን እኳ ተመሊስና ምሃሎና ኔርና በሎ
ሽዑ ኣቦኦም እስራኤል እዚ እንተ ደኣ ዀይኑስ ከምዚ ግበሩ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ጸጽቡቑ ኣብ ዓያብትኹም ውሰዱ ነቲ ሰብኣይ ዚኸውን ገጽ በረኸት ሒደት ቀመም ሒደት መዓር ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ
ገንዘብ ድማ ካዕበት ጌርኩም ኣብ ኢድኩም ውሰዱ እቲ ኣብ ኣፍ ዓያብትኹም እተመልሰ ገንዘብ ከኣ ምናልባሽ ናይ ጌጋ ኸይከውን ብኢድኩም ምለስዎ
ንሓውኩምውን ውሰድዎ ተንሲእኩም ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ
ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ክሰዶም እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሃብኩም
ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ ውሉድ እስኣን በሎም
እቶም ሰብ ድማ ነዚ ገጽ በረኸት እዚ ወሰዱ ዕጽፊ ገንዘብ ከኣ ኣብ ኢዶም ንብንያምውን ሒዞም ተንስኡ ናብ ግብጺ ወሪዶም ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ
ዮሴፍ ከኣ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረአዮ ንኣዛዝ ቤቱ እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ክምስሑ እዮም እሞ ነዞም ሰባት ናብ ቤተይ ኣእትዎም ሕሩድ ሐሪድካውን ኣዳሉ በሎ
እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ እቲ ሰብኣይ ከኣ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎም
እቶም ሰባት ድማ ናብ ቤት ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም ፈርሑ ብዛዕባ እቲ በታ ቐዳመይቲ ጊዜ ኣብ ዓያብትና እተመልሰ ገንዘብ እዩ ንኣና ናብዚ ዘእተወና ጐይዩ ሓደጋ ክወድቀና እሞ ባሮት ክንከውን ንኣናን ነእዱግናን ክወስድ እዩ ከኣ በሉ
ናብቲ ሰብኣይ ኣዛዝ ቤት ዮሴፍ ቀሪቦም ድማ ኣብ ደገ ቤት ምስኡ ተዛረቡ በል ጐይታይ ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት ወሪድና ነበርና
ኰነ ኸኣ ኣብ መሕደሪ ምስ በጻሕና ዓያብትና ኸፈትና እንሆ ኸኣ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ነበረ ኣብ ኢድና ኸኣ መሊስናዮ ኣሎና
እቲ ገንዘብ ድማ ናብ ዓያብትና መን ከም ዘእተዎ ኣይንፈልጥን ካልእ ገንዘብውን መሸመት እኽሊ ዝኸውን ኣብ ኢድና ኣምጺእና ኣሎና በሉ
ንሱ ድማ ኣጆኹም ኣይትፍርሑ
ኣብ ዓያብትኹም መዝገብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹም እዩ ገንዘብኩምሲ ኣትዩኒ እዩ በለ
ንስምኦን ከኣ ናባታቶም ኣውጽኦ
እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእቲዩ ኣእጋሮም ክሕጸቡ ማይ ሃቦም ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን
ኣብኡ ኸም ዝምስሑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ ዮሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዝመጽእ ነቲ ገጽ በረኸት ኣዳለዉዎ
ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገጽ በረኸት ናብ ቤት ኣምጽኡሉ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከኣ ሰገዱሉ
ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ሓተቶም እቲ ብዛዕብኡ እተዛረብኩምኒ ኣረጊት ኣቦኹምከ ደሓንዶ ኣሎ ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ ከኣ በሎም
ንሳቶም ድማ ኣቦና ጊልያኻ ደሓን እዩ ብህይወቱ አሎ በሉ ድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ
ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ንብንያም ሓዉ ወዲ ኣዲኡ ርእዩ ድማ እዝስ እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ንእሽቶ ሓውኩም ድዩ በለ
ወደይ እግዚኣብሄር ሞገስ ይሃብካ ከኣ በሎ
ዮሴፍ ድማ ብዛዕባ ሓዉ ኣምዑቱ ትዅስኵስ ኢልዎ ተሃወኸ ዝበኽየሉ ስፍራ ደልዩ ናብ ሕልፍኝኡ አተወ ኣብኡ ኸኣ በኸየ
ገጹ ተሐጺቡ ወጸ ልቡ ቐጥ ኣቢሉ ኸኣ እንጌራ ኣቕርቡ በለ
ሽዑ ንእኡ ንበይኑ ንኣታቶም ድማ ንበይኖም ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረቡሎም
ንግብጻውያን ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ ስለዚ ግብጻውያን ምስኦም ክበልዑ ኣይኽእሉን እዮም
እቲ በዅሪ ኸም ብዅርናኡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ከም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ
እቶም ሰባት ድማ ንሓድሕዶም ተደነቑ
ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መብልዕ ከኣ ግዲኦም ኣቕረበሎም
ንብንያም ድማ ሓለፋ ግደ ዅሎም ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረበሉ
ሰትዮም ድማ ምስኡ ተሐጐሱ
ምዕራፍ ኣርብዓን ኣርባዕተን
ንቢንያም ድማ ሓለፋ ግደ ዅሎም ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረበሉ
ንኣዛዝ ቤቱ ድማ ንዓያብቲ እዞም ሰባት ክወስድዎ ኸም ዝኽእሉ ጌርካ እኽሊ ምልኣሎም
ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ኣንብር
ነታ ጽዋኤይ ድማ እታ ጽዋእ ብሩር ምስቲ ገንዘብ እኽሉ ጌርካ ናብ ኣፍ ዓይበት እቲ ንእሽቶ ግበራ ኢሉ አዘዞ
ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ቓል ከኣ ገበረ
ንግሆ ምስ በርሀ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ክኸዱ ሓደግዎም
End of preview. Expand in Data Studio
README.md exists but content is empty.
Downloads last month
86